ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኦን ላይን ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝህቦም ኣገልግሎታት ብኦን ላይን  ምሃብ ከምዝጀመረ ሎሚ መዓልቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ንዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብን ዓለም ለኸ ትካላትን ዝህቦም ኣገልግሎታት ቪዛ ሓዊሱ ካልኦት ኣገልግሎታት ብኦንላይን ምሃብ ከምዝጀመረ ሚኒስተር ዲኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ብርቱካን ኣያኖ ገሊፀን።

እቲ ዕላዊ ዝተገበረ ኣገልግሎት፥ መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝገበሩ ኤምባሲታት ወፃኢ ሃገራት፣ ዓለም ለኸን ከባቢያዊን ትካላት ከምኡ እው ኣብተን ትካላት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታትን ቅልጡፍን ፅሬቱ ዝሓለወን ኣገልግሎት ንኽረኽቡ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብምትሕብባር ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢን ዝማዕበለ ኣገልግሎት መውሃቢ ቴክኖሎጂ ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment