ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እናካየዶ ዝርከብ ምምሕያሽ ውዳበ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ትግበራ ከምዝእቶ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እናካየዶ ዝርከብ ምምሕያሽ ውዳበ ተዛዚሙ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ትግበራ ከምዝእቶ ኣፍሊጡ።

ኣብ ቀረባ እዋን ምደባ ካብ ሞንጎ ዝተገበረሎም ኣምባሳደራት ዝተወሰኑ ዝተመደቡሉ ከባቢ እንተይከከዱ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኮይኖም ንኽሰርሑ ሓላፍነት ከምዝተውሃቦም ገሊፁ።

ኢትዮጵያ መሰል ዜጋታታን ብሄራዊ ረብሓኣን ከምኡ እውን ረብሓታት ኢኮኖሚ፣ ፖለቲካን ዲፕሎማሲን ዘኽብር ፖሊሲ ጉዳይ ወፃኢ እናሰጎመት ከምትርከብ ኣቐባሊ ቃል እቲ ሚኒስቴር ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ፖሊሲ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን፣ ኣብ ሉኣላውነት ሃገርን ህንፀፅ ምስሊ ሃገርን፣ ምኽባር መሰል ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ዘተኮረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ዓለም ለኻዊ፣ ኣህጉራዊን ሃገራዊን ለውጢታት ተሓሳቢ ዝገበረ ኩለመዳይ ፖሊስ ርክብ ወፃኢ ኣብ ምትግባር ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ልምዓት ኢኮኖሚ፣ ህንፀት ስርዓት ዴሞክራሲን ሃገራዊ ምርድዳእን ብምፍጣር ብሄራዊ ረብሓ ንምኽባር ፖሊሲ ዝሕግዙ ተግባራት እናተሰርሑ ከምዝኾኑ እቶም ኣቐባሊ ቃል ኣመልኪቶም።

እቲ ሚኒስቴር እናካየዶ ዝርከብ ምምሕያሽ ውዳበ ኣብ ቀረባ እዋን ተዛዚሙ ናብ ተግባር ከምዝኣቱ ዝገለፁ ኣምባሳደር ዲና፥ ኣብ ቀጣሊ ተለዋዋጢ ኩነታት ዘገናዘበ ምምሕያሽ ክግበረሉ ከምዝኽእል እውን ምሕባሮም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment