ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ደቡብ ኮሪያ መዘነኦም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሰነ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ገዱ ኣንዳርጋቸው ምስ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ደቡብ ኮሪያ ካንግ ዩንግ ውሃ ሎሚ መዓልቲ ተዛቲዮም።

ክልቲኦም ሚኒስትራት ርክብ ክልቲአን ሃገራት ንምጥንኻር፣ ለበዳ ሕማም ኮቪ-19 ብሓባር ንምክልኻልን ሰብ ሃፍቲ ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህልዎም ምንቅስቓስ ኢንቨስትመንትን ኣብ ዝምልከት ትኹረት ገይሮም ኢዮም ተዛቲዮም።

ኣይተ ገዱ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ርክብ ኢትዮጵያን ደቡብ ኮሪያን ብደም ዝተኣሳሰረን ታሪኻዊን ስለዝኾነ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምስግጋር ህዝቢታት ንክልቲአን ሃገራት ተረባሕቲ ንምግባር ምስራሕ ከምዘድሊን ኢትዮጵያ ትኹረት ገይራ ከምትሰርሕን ገሊፆም።

ደቡብ ኮሪያ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምቁፅፃር ዝገበረቶ ፃዕሪ ብምንኣድ፥ ኣብዚ ጉዳይ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ዘላ ሓገዝ ኣቑሑት ኣመስጊኖም።

ሰብ ሃፍቲ ደቡብ ኮሪያ ኣብ ኢትዮጵያ መዋእለ ንዋዮም ንኽፍስሱ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘበረታትዕ እውን ኣብሪሆምለን።

ካንግ ዩንግ ውሃ ብግደአን፥ ጀጋኑ ኢትዮጵያውያን ንናፅነት ኮሪያ ዝኸፈሉዎ መስዋእቲ ኣብ ልቢ ኮሪያውያን ንዘለኣለም እናተዘከረ ከምዝነብር ገሊፀን።

ቫይረስ ኮሮና ዓለም ለኻ ለበዳ ሕማም ስለዝኾነ፥ ኢትዮጵያ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ኣብ ትገብሮ ፃዕሪ ደቡብ ኮሪያ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ተዛሪበን።

ኮሪያ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ክልተኣዊን ዓለም ለኻዊን ርክብ ብዝበለፀ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል እውን ካንግ ዩንግ ውሃ ገሊፀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment