ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዛምቢያ ጥቓ ሉሳካ 27 ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ሓሊፉ ብዝብል ዝተጋወሐ ፀብፃብ ከፃሪ የፃሪ ኣለኹ ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ዛምቢያ ጥቓ ሉሳካ 27 ኢትዮጵያውያን ህይወቶም ሓሊፉ ብዝብል ዝተጋወሐ ፀብፃብ ከምዘፃሪ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝተሰመዖ ሓዘን ገሊፁ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ብዘይሕጋዊ ኣዘዋወርቲ ኣቢሉ ናብ ደቡብ ኣፍሪካ ንምኻድ ክብሉ ህይቶም ከምዝሰኣኑ ምፅብፃቡ ዝሓረ እቲ ሚኒስቴር÷ እቲ ሓደጋ ንምፅራይ ሚኒቴር ጉዳያት ወፃኢ ሰብ ሞያ ናብቲ ከባቢ ብምውፋር ምስ መንግስቲ ዛምቢያ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፁ፡፡

ቅድም ክብል ብተመሳሳሊ ኩነታት ኣብ ማላዊ ህይወቶም ዝሓለፉ ወገናት ንምምርማር በቲ ሚኒስቴር ዝተመርሐ ጉጅለ ኣብታ ሃገር ከምዝርከብ ኣዘኻኺሩ፡፡

እቲ ሓደጋ ዘይሕጋውያን ኣዘዋወርቲ ሰባት ኣብ ልዕሊ ወገናት ዘብፀሖ ጉድኣት ንምክልኻል ዝምልከቶም ኣካላትን ዜጋታትን ዝተዋደደ ፃዕሪ ሕዚ እውን ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment