ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢ ብዘሕዝን ኣማውታ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ጃፓን ሺንዞ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን ገሊፁ።
እቲ ሚኒስትር ንሕልፈት ህይወት እቶም ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ምኅንያት ዝኾነ ዘሕዝን ተግባር ብፅኑዕ ኮኒኑ።
ሺንዞ ኣቤ፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጃፓንን ዘሎ ታሪኻዊ ርክብ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ኣብ ምብጻሕ ልዑል ግደ ከምዝተፃወቱ እውን ገሊፁ።
ክልተኣዊ ርክብ ኣፍሪካን ጃፓንን ብዝበለፀ ንኽጠናኸር ብምግባር ዓለም ለኸ መድረኽ ልምዓት ቶኪዮ ኣፍሪካ (ቲካድ) ኣብ ምጥንኻር እውን ርኡይ ግደ ዝተፃወቱ መራሒ ከምዝነበሩ እቲ ሚኒቴር ኣብሪሁ።
ሞት ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣብ ልዕሊ እቶም ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ዝበፅሐ ዘስካሕኽሕ ሞት፥ ንፈታዊ ህዝቢ ጃፓን፣ ንሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጃፓንን ንስድራ መዋቲን ምፅንዕናዕ ምምናዩ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com