ሚኒስቴር ገንዘብ ምስ ኣባላት ጉጅለ መሓዙት ልምዓት ተዛቲዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ገንዘብ ምስ ኣባላት ጉጅለ መሓዙት ልምዓት ተዛቲዩ።

እቲ ዘተ ዝመርሑ ሚኒስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሺዴን ኣብ ባንኪ ዓለም ዳይሬክተር ኢትዮጵያ፣ ኤርትራ፣ ደቡብ ሱዳንን ሱዳንን ኦስማን ዲዮን ኢዮም።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘጋጠመ ጉድኣትነ ገምጋም ድሌትን ትኹረት ብምግባር ነቶም መሓዙት ልምዓት ገለፃ ዝተገበ እንትኸውን፥ ዳህሳስ ማዕቐፍ ትልሚ ዘይብዳህ እግሪ ምትካልን ዳግመ ህንፀትን ኢትዮጵያ ናብ ተግባር ኣብ ምስግጋርን መሰል ጉዳያትን ዝምልከት መብርሂ ተዋሂቡ።

ሓለፍቲ ኤጀንሲታትን ልኡኻቱን ትልሚ ህንፀት እግሪ ምትካልን ዳግመ ህንፀትን ኢትዮጵያ ከምዝነኣዱ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓሬታ የረድእ፡፡

ኣድላይነት ዳግመ ህንፀን እግሪ መትከሊን ዘልዐሉ እቶም ልኡኻት፥ ንተግባራዊነቱ ሓገዝ ለገስቲ ኣድላዪ ከምዝኾነ እውን ፀሪሖም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment