ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዝበፅሐ ጨፍጫፍ ኮኒኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ክልል ዓፋር ቃሊ ኩማ ኣብ ዝተብሃለ ጥዕና ጣቢያ ኣፅሊሎም ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዘካየዶ ጨፍጫፍ ኮኒኑ።

ዳይሬክተር ጉዳያት ሕጊ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ደረጀ ተግይበሉ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ጉጅለ ራዕዲ ኣብ ክልል ዓፋር ቃሊ ኩማ ህፃናት ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ብዙሓት ዜጋታት ዘብፀሖ ጨፍጫፍ ሰብኣዊነት ዝጎደሎ ኢዩ፡፡

እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ፍሉይ ክንክን ክግበረሎም ኣብ ዝግበኦም ህፃናት ዝፈፀሞ ቸፍጫፍ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ክኹንኖ ከምዝግባእ እውን ሓቲቶም፡፡

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ኣብዚ ሕዚ እዋን ንህፃናት ኣመልኪቱ ዘውፀኦም ሕጊታትን ዝፈረሞም ዓለም ለኸ ስምምዓትን እንትጠሓሱ እናረኣየ ከምዘይረኣየ እናሓለፈ ይርከብ ዝበሉ ኣይተ ደረጀ፥ እቲ ፍፃመ ዘሕዝን ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ቅድም ክብል ህፃናት መሳርሒ ኲናት ተሸኪሞም ናብ ኲናት እንተኣትዉ እናረኣየ ከምዘይረኣየ ምሕላፉ ዘሕዝንን ተሓባባሪ እቲ ገበን ከምዝኾነ ክቑፀር ዝገብሮን ኢዩ ምባሎም ትፕኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment