ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣብ ቻይና ዝተፈራረሞም ስምምዓት ናብ ስራሕ ንምእታው እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኣብ ቻይና ምስ ግዝኣት ሄናን ዲቪዥን ሳይንስን ቴክኖሎጂን ከተማ ጄንጆ ዝተፈራረሞም ስምምዓት ናብ ስራሕ ንምእታው እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ።

ኣብ ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ሚኒስትር ዴኤታ ማሕበራዊ ጉዳያት ሁሪያ ኣሊ÷ ካብ ቻይና ግዝኣት ሄናን ከተማ ጄንጆ ምስ ዝመፅኡ ብዋንግ ዋንፔንግ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ኣብቲ ጉዳይ ተዛቲየን።

ኣብቲ እዋን ዘተ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2016 ምስቲ ዝተፀርሐ ዲቪዥን ዝተፈረመ ሰነድ ስምምዕነት ናብ ስራሕ ምእታው ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ትኹረት ገይሮም፡፡

ብመሰረት እቲ ስምምዕነትስራሕቲ ምርምር፣ ህንፀት ዓቕሚ፣ ምልውዋጥ ተመራመርቲን ውፅኢታት ምርምርን ከምኡ እውን ዓውደ መፅናዕቲታት ብሓባር ምክያድ ንምኽኣል ብቕልጡፍ ናብ ስራሕ ንኽእቶ ሓቲተን፡፡

እቶም ስራሕቲ ምርምር ብቐንዱ ኣብ ጉዱኣት ኣካልን ፀገም ጥዕና ኣእምሮን ዘጋጥሙ ማሕለኻታት ኣብ ምፍታሕ ዘድሀቡ ስለዝኾኑ ብቕልጡፍ ባቭ ስራሕ ክእቶ ከምዝግባእ እውን ኣገንዚበን።

ማዕቐፋት ምትሕብባር ናብ ስራሕ ንምእታው ብወገን ትካለን ዘሎ ቆራፅነት ኣረጋጊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment