ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ብኲናት ዝተጎድኡ ከባቢታት ብናውቲ መሊስካ ንምህናፅ ሓገዝ ንምግባር ምስ ዩኒሴፍ ተስማዕሚዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን ብኲናት ዝተጎድኡ ከባቢታት ብናውቲን መሊስካ ህንፀትን ሓገዝ ንምግባር ምስ ዩኒሴፍ ኢትዮጵያ ተስማዕሚዑ።

ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ሚኒትር ወይዘሮ አለሚቱ ኡሞድን ዳይሬክተር ኢንስፔክሽንን ኣገልግሎት ሓገዝ ህፃናትን ምስ ሓላፊት ሓለዋ ህፃናት ዩኒሴፍ ኢትዮጵያን ሰብሞያን ኣብ ቢሮ እተን ሚኒስትር ዲኤት ኣብ ዝተፈላለዩ ዛዕባታት ኣድሂበን ተዛቲዮም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ጉዳይ ሓለዋ ህፃናት ኣተሓሕዛ ስርዓት ማዕቐፍ ምስ ዝምልከቶም ሚኒስቴር ቤት ዕዮታት እቲ ማዕቐፍ ተግባራዊ ንምግባር ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡

ኣብ ልዕሊ ህፃናት ዝፍፀሙ ገዳእቲ ልምዳዊ ተግባራት ጠጠው ንምባል ዝግበር ፃዕሪ ሓገዝ ቴክኒክን ፋይናንስን ከምዝገብሩ ተወካሊት ዩኒሴፍ ተዛሪበን።

ኣብ ቀፃሊ እተን ትካላት ዘለወን ርክብ ኣጠናኺሮም ክቕፅሉ ከምዝግበኦም ኣብቲ ዘተ ከምዝተለዓለ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment