ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ዘላቕነት ስነ-ምህዳር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ኣቋፁዎም ዝነበሩ ፕሮጀክታት ዳግም ስራሕ ንኽጅምሩ ኣብ ስምምዕነት በፂሑ።
ኣብ ጉባኤ ስርዓተ ምግቢ ዓለም እናተሳተፉ ዝርከቡ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ ከባቢ ጌታሁን ጋረደው (ዶ/ር)÷ ጎድና ጎድኒ እቲ ኣኼባ ምስ ኣመራርሓታት ዘላቕነት ስነ-ምህዳር ዘቲዮም፡፡
ኣብ ዘተኦም ድማ÷ ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቕነት ከባቢ ንኽረጋገፅ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ንኽትቅፅል እቶም ዋና ዳይሬክተር ሓቲቶም፡፡
ኣመራርሓታት ሚኒስቴር ዘላቕነት ስነ-ምህዳር ጣሊያን ብግደኦም÷ ብምኽንያት ለበዳ ኮቪድ-19 ተቛሪፆም ዝነበሩ ፕሮጀክታት ኣብ ሓፂር እዋን ስራሕ ንኽጅምሩ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሑ ሓበሬታ እቲ በዓል መዚ የመላኽት፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com