ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ክእለትን ስራሕን ምስ ሓደ መተሓባበርቲ ግልጋሎት መውሃቢ ጣብያ ብሃገር ደረጃ መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ክእለትን ስራሕን ሙፈሪያት ከሚልን ካልኦትን ላዕለዋይ ኣመራርሓታት ፌዴራልን ክልልን ተረኺቦም።
እቲ መድረኸ ን2 መዓልቲ ዝካየድ እንትኾን፤ናይ ሓደ ማዕከል ግልጋሎት መውሃቢ ጣቢያታ ክሰርሕዎም ዝግብኡ ዋና ዋና ስራሕቲን፤ ክትግበሩ ዝግባኡ ሓደሽቲ አሰራርሓታትን ኣድሂቦም ክዛተዩ እዮም ተባሂሉ።
ኣብቲ መድረኽ መኽፈቲ መደረ ዝገበራ ሚኒስትር ክእለትን ስራሕን ሙፈሪያት ካሚል፥ “ ዘከርቲ ዝሓለፈ ታሪክ ጥራሕ ኮይንና ክንተርፍ የብልናን ናይ ባዕልና ታሪክ ሰሪሕና ንመፃኢ ትውልዲ ምፅናሕ ሓላፍነት ኣለና ” ኢለን፡፡
ብዘፈር ኢኮኖሚ ዓርሳ ኪኢላ ደው ትብልን ናፃ ሃገርን ንምስራሕ ኣለና እውን ኢለን፡፡
ቀፃሊ ንዝፅበይ ምዕራፍ ዝተፈለየ ምድላው ከምዘድልይ ፤ሕቡእ ዓቅሚ መናእሰይ ምጥቓም ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምግላፅ ፤ኣተሓሳስባን ባህሊን ፈጣሪነት ስራሕ ብቴክኖሎጂ ዝድገፉሉ ስርዓ እቲ ቤት መስርሒ ከምዝዘርገሐ ኣመላኺተን፡፡
ብዘቢብ ተኽላይ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።