ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ብኲናት ዝዓነዉ ከተማታት መሊስካ ኣብ ምህናፅ ብምትኳ ምስ ዳያስፖራ ይዝቲ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ፃውዒት ሃገር ተቐቢሎም ናብ ኣብ ሃገር ምስ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንን ኣብ ሆቴል ስካይላይት ይዝቲ ኣሎ።

ብኲናት ዝዓነዉ ከተማታት መሊስካ ኣብ ምህናፅ ዘድሃበ እቲ መድረኽ ዘተ፥ ሚኒስትራትን ሰብ ሃፍቲ ዘፈር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ተረኺቦም።

ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ኣብቲ እዋን ከምዝበለኦ፥ “ኣብቲ ኲናት ከተማታትና ብልዑል ብርኪ ተጎዲኦም ኢዮም፤ መሰረተ ልምዓታቶም ሙሉእ ብሙሉእ ዓኒዮም፤ ተዘሪፎም፤ ልዕሊ ኩሉ ድማ ኣብ ከተማታት ዝርከቡ ትካላት ኣገልግሎት ቤት ምስንዳእ ከምዘይነበሩ ኮይኖም ኢዮም” ኢለን፡፡

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብዝኽእሎ ኩሉ ሓበሬታታት ናይ ምጥፋእ ተግባር ጭካነ ፈፂሙ ኢዩ ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ብፍላይ ሰነዳት መረጋገፂ ትሕዝቶ መሬትን ገዛን ከምዝዓነዉን ሓበሬታ ዝሓዙ ኮምፒዩተራት ዒላማ ከምዝተገበሩ ገሊፀን፡፡

ከተማታት መሊስካ ኣብ ምህናፅ ኣብዝተጀመረ ዓቢዪ ዕላማን ሓላፍነት ናይ ኩሎም ውላድ ኢትዮጵያ ሓገዝ ዘድልየሉ እዋን ከምዝኾነ ነቲ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ መብርሂ ምሃበን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment