ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ምስ 21 ኩባንያታት ንምስራሕ ኣብ ዘኽእሉዎ ጉዳያት መኺሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ካብ ውልቀ ማሕበር ኩባኒያታት ፈረንሳይ ምስ ዝተወከሉ 21 ኩባንያታት ዝተውፃእፅኡ 30 ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲዩ።

ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ርክብ ኢትዮጵያን ፈረንሳይን ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንት ናብ ዝለዓለ ንምዝጋር እቲ ልኡኽ ናብ ኢትዮጵያ ከምዝመፅአ ሚኒስትር ዴኤታ ከተማን መሰረተ-ልምዓትን ወንድሙ ሴታ (ኢ/ር) ንኢዶም፡፡

ኢትዮጵያ ንኢንቨስትመንት ምቹው ዝኾነ ዓሚቕ ዓቕሚ ከምዘለዋ እውን ኣብሪሆም፡፡

ኩባንያታት ፈረንሳይ መዋእለ-ንዋዮም ኣብ ዘፈር መሰረተ-ልምዓት ብምውዓል ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ምዕባይን ምሕዝነት ልምዓተን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ምስግጋር ከምዝከኣል እውን ተዛሪቦም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment