ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ን5 ከተማታትን ን6 ትካላት ፌደራልን ፖርታላት ኣልሚዑ ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ንጅግጅጋ፣ ሀረር፣ ጋምቤላ፣ ጅማ ፣ ሆሳዕና ከተማታን ን6 ትካላት ፌደራልን ፖርታላት ኣልሚዑ ኣረኪቡ።

ፖርታል ዝለመዐለን ትካላት ፌዴራል፥ ሚኒስቴር ንግድን ምትእስሳር ቀጠናዊን፣ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ፣ ኤጀንሲ ቤት ዕዮ ውሕስና ማሕበራዊ ሰራሕተኛታት መንግስቲ፣ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን፣ ብሄራዊ ቤተመዛጋብቲን ኤጀንሲ ቤተ መፃሕፍቲን ኢትዮጵያ ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሑሪያ ዓሊ፥ “ኣገልግሎት መንግስቲ ብኸይዲ ናብ ድጂታል ሜላ ኣሰራርሓ ዝቕይርሉ ሜላ ብምሕንፃፅ ተግባራዊ ንምግባር እናሰራሕና ኢና” ኢለን።

ፖርታላት ከተማታትን ትካላትን ናይ ዜጋታት ተኣማንነትን ቀዳማይ ብርኪ ፍልፍል ሓበሬታ ክኾኑ ይግባእ ዝበላ እተን ሚንስትር ዴኤታ፥ ሰብሞያታት ፖርታላቶም ዝማዕበለን ሓደሽቲ ሓበሬታታት ንክሕዙን ምግባር ትፅቢት ከምዝግበሮም ኣተሓሳሲበን።

እቶም ፖርታላት ፍሉይ ኣወዳድባ ከተማታትን ትካላትን ኣገልግሎት ሓበሬታትን መስሕብ ቱሪዝማትን ኣጠቓሊሎም ዝሓዙ ምዃኖም ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment