ሚኒስቴር ንግዲን ቀጠናሚ ምትእስሳርን ንመከፋፈልቲ ነዳዲ ብምጥንቃቕ ዋጋ ነዳዲ ወርሒ ለካቲት ብዘለዎ ከምዝቕፅል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ንግዲን ቀጠናሚ ምትእስሳርን ሓደሓደ ኩባኒያታት መከፋፈልቲ ነዳዲ ሰብ ስራሕ ሕፅረት ሕፅረት እናፈጠሩዎ ካብ ዝርከቡ ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ንኽዕቀቡ ኣተሓሳሲቡ።

ስርዓት ንግዲ ንምዝባዕ ኣብ ዘይተገበአን ዘይሕጋዊን ተግባር ተዋፊሮም ዝርከቡ ኩባኒያታትን መዕደሊ ነዳዲ ዜዳግም ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝወስድ እውን ኣፍሊጡ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ብካሊእ መዳይ ካብ 26 ጥሪ ክሳብ 30 ለካቲት 2014 ዓ.ም መሸጢ ዋጋ ችርቻሮ ፍርያት ነዳዲ ኣብ ወርሒ ጥሪ እናተሸጦ ብዝነበረ ዋጋ ንኽሽየጥ ወሲኑ ኢዩ፡፡

መሸጢ ዋጋ ፍርያት ነዳዲ ብዓለም ለኸ ደረጃ እናወሰኸ ዝርከብ ይኹን እምበር ነባራዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ብምእታው ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ምንቅስቓሳት ብዝተረጋገአ ኩነታት ንኽቕፅሉ ንምግባር ተሓሲቡ ከምዝተወሰነ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ትካል ኣቕራቢ ነዳዲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝርገሀን ቀረብን ነዳዲ ዝኾነ ይኹን ዘጋጠመ ፀገም ከምዘየለ ኣፍሊጡ ኢዩ።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ትካል ኣይተ ታደሰ ሃይለማርያ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ “ነዳዲ የለን” ብዝብል እናተናፈሰ ብዘሎ ወረ ተሸከርከርቲ ኣብ መዕደሊ ነዳዲ ንምቕዳሕ ዝገብሩዎ ነዊሕ ሰልፊ ምስ ሓቂ ዝተቓረነ ተግባር ኢዩ።

ኣለ ዝበሃል ፀገም ንዓና ግልፂ ኣይኮነን ዝበሉ እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ፥ ትካል ኣቕራቢ ነዳዲ ኢትዮጵያ ዝርገሐ ነዳዲ ግዚኡ ሓሊዩ እናገበረ ከምዝርከብ ገሊፆም።

ከም ኣብነት ድማ 19 ጥሪ 2014 ዓ.ም በቢ መዓልቱ ብማእኸላይ 2 ነጥቢ 7 ሚሊየን ሊትሮ ነዳዲ ዝተከፋፈለ እንትኸውን፥ ትማሊ ጥራሕ 3 ሚሊየን ሊትሮ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ከምዝተኸፋፈለ ኣልዒሎም ።

ይኹን እምበር በቢወርሒ ምስ ምስትኽኻል ዋጋ ነዳዲ ተተሓሒዙ “ኣፈላላይ ዋጋ ይህሉ ኢዩ” ብዝብል ተሸከርከርቲ ኣብ መዕደሊ ነዳዲ ከምዝተሰለፉ ቅድሚ ሕዚ ምስ ዝፍጠር ኩነታት ምግማት ከምዝከኣል ኣብሪሆም።

ሓደ ሓደ ኣሽከርከርቲ እውን ኣብ መዕደሊ ነዳዲ ዝተሰለፉ ኣሽከርከርቲ ብምርኣዮም ነዳዲ ዘየለ መሲሉዎም ዝስለፉ ከምዘለዉ ኢዮም እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዝገለፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment