ሚኒስቴር ትምገህርቲ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ ከምዝተዛዘመ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብክልተ ዙር እናተውሃበ ዝነበረ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ 2014 ዓ.ም ከምዝተዛዘመ ሚኒስቴር ትምገህርቲ ኣፍሊጡ።

ንፈለማ እዋን ኣብ ውሽጢ ዩኒቨርሲታት ብክልተ ዙር እናተውሃበ ዝነበረ መልቀቒ ፈተና 12 ክፍሊ÷ ልዕሊ 9000 ሺሕ ተምሃሮ ኣብ 130 ጣቢያታት ፈተና ተፈቲኖም።

እቲ ፈተና ኣብ ቀዳማይ ዙር ከይዲ ፈተና ማሕራዊ ሳይንስ ካብ ዘጋጠሙን ኣብ መዛዘሚ ቀዳማይ ዙር ፈተና ካብ ዝተገለፁ ፀገማት ወፃእ ብዝተተለመሉ መሰረት ብዓወት ዝተዛዘመ እንትኸውን÷ ካልኣይ ዙር ተፈተንቲ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሮም ነናብ ከባቢኦም ምምላስ ጀሚሮም።

ዩኒቨርሲቲታት ፈተና ዕዉት ንኽኸውን ንዝገበሩዎ ምድላውን ኣብ ከይዲ ኣወሃህባ ፈተና ዝነበሮም ኣስተዋፅኦ ልዑል ከምዝነበረን ተፈተንቲ እውን ስርዓት ፈተና ብዝሓለወ መልክዑ ፈተነኦም እናወሰዱ ፀኒሖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment