ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮግራም መመሓየሺ ዓቕሚ ተምሃሮ (ሪሚዲያል) ተቛሪፁ ብዝብል ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ናይ ሕሶት ሓበሬታ እናተጋወሐ ከምዝኾነ ሚኒስቴር ትህርቲ ኣፍሊጡ፡፡
ብሄራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ተፈቲኖም መሕለፊ ነጥቢ ዘየምፅኡ ተምሃሮ ዓቕሞም ብምምሕያሽ ናብ ላዕወሎት ትካላት ትምህርቲ ክኣትዉን ትምህርቶም ክከታተሉን እናተገበረ ከምዝርከብ እውን ኣዘኻኺሩ።
ይኹን እምበር ኣብዚ ሰሙን ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ሚዲያታት ሚኒስቴር ትምህርቲ ፕሮግራም ሪሚዲያል ብሕፅረት በጀት ከምዝቛረፀ ሚኒስቴር ትምህርት ኣፍሊጡ ብዝብል እናተጋወሐ ዝርከብ ሓበሬታ መሰረተ ዘይብሉ ከምዝኾነ ሓበሬታ እቲ ሚኒስቴር የመላኽት።