ሚኒስቴር ትምህርቲ ምስ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርቲን ሩሲያ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ምስ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዋይ ትምህርቲን ሩሲያ ሰነድ ስምምዕነት ከቲሙ።

እቲ ስምምዕነት፥ ብመትከል ማዕርነት፣ ሓበራዊ ተረባሕነትን ውፅኢታውነትን ብምድራኽ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲ ልምዓት ላዕለዎት ትካላት ብሓባር ምስራሕ ዘኽአል ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክብ ብዝበለፀ ዘጠናኽር ከመዝኾነ እወን ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ትምህርቲ ብርሃኑ ነጋ(ፕ/ር)፥ ኣብዚ ሐዚ እዋን ሚኒስቴር ትምህርቲ ፅርየት ዘለዎ ተምህርቲ ብምሃብ ብቕዓት ዘለዎም ዓለም ለኸ ተወዳደርቲ ዝኾኑ ዜጋታት ንምፍራይ ኣብ ሓፈሻዊን ላዕለዎት ትካላት ተምህርቲ ብዙሓት ተግባራት ሪፎርም ይካየዱ ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

Comments (0)
Add Comment