ሚኒስቴር ትምህርቲ ማስክ ዘይበፅሐን ኣብያተ ትምህርቲ 9 ጥቅምቲ ምምሃር ምስትምሃር ንከይጅምራ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 5 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ትምህርቲ ፌዴሪኢ ማስክ ዘይበፅሐን ኣብያተ ትምህርቲ 9 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም ከይዲ ምምሃር ምስምሃር ንከይጅምራ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ወረዳን ጣቢያን ዘለዋ ኣብያተ ትምህርቲ 9 ጥቅምቲ ከምዝጅምራ ዝገለፁ ሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ፥ ብሰንኪ ራሕቒ እተን ኣብያተ ትምህርቲን ካልኦት ምኽኒያታትን ማስክ ዘይበፅሐን ኣብያተ ትምህርቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንከይጅምራ ኣተሓሳሲቦም።

ክሳብ 30 ጥቅምቲ ኣብ ኩለን ኣብያተ ትምህርቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ንምጅማር ዓሊሙ ኣቕርቦት ማስክ ንምብፃሕ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክ ሃዋሳ ዝፈረየ ማስክ ናብ ኩለን ኣብያተ ተምህርቲ ንምብፃሕ ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment