ሚኒስቴር ቱሪዝምን ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ትግራይን ምንቅስቓስ ቱሪዝም ትግራይ ዳግም ብምጅማር ንበፃሕቲ ክፍቲ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ቱሪዝም ፌዴሪኢን ምስ ቢሮ ባህልን ቱሪዝም ትግራይ ብምዃን ኣብ ገርዓልታ ዑደት ኣሳሊጦም።

ብተወሳኺ ኣካላት መራኸብቲ ሓፋሽ ኣብቲ ዑደት ተሳቲፎም።

ኣብ ክልል ትግራይ ብሰንኪ ኮረናን ኲናትን ተቛሪፁ ዝነበረ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ዳግም ንምጅማርን ንበፃሕቲ ክፍቲ ንምግባርን ዘኽእል መርሃ ግብሪ ኣብ መቐለ ምስላጡ ይዝከር።

እቲ መርሃ ግብሪ፥ ኣብ እዋን ኲናት ዕንወት ዘጋጠሞም ሓድግታት መሊስካ ግልጋሎት ንክህቡ ንምኽኣል ዓሊሞም ሚኒስቴር ቱሪዝምን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይን ብሓባር ብምዃን ብዕሊ ኣጀሚረሙዎ ኢዮም።

ብመሰረት እዚ ሚኒስቴር ቱሪዝም ኢትዮጵያን ቢሮ ባህልን ቱሪዝምን ክልል ትግራይን ምስ መራኸብቲ ሓፋሽ ብሓባር ብምዃን ኣብ ዝገርዓልታ ዑደት ኣሳሊጦም።

ብመሰረት እዚ እቲ ተቛሪፁ ዝነበረ ምንቅስቓስ ቱሪዝም ዳግም ናይ ምጅማርን ንበፃሕቲ ክፍቲ ናይ ምግባርን ስራሕ ብዕሊ ኣጀሚሮም።

ኣብ ከባቢ ገርዓልታ ገዳም ኣቡነ የማእታ ዑደት ዘካይዱ ዝነበሩ ዜጋታት እንግሊዝን ካልኦት ሃገራትን ከምዝበልዎ፥ ኣብ ትግራይ ሰለማዊ ፃንሒት ነይሩዎም።

ስለዝኾነ ናብ ዓዶም ኣብ ዝምለስሉ እዋን ዑቑር ሃፍቲ ቱሪዝም ትግራይ ንምፍላጥ ፃዕሪ ክንገብር ኢና ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment