ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣብ ከተማ ቀብሪ በያህ ዘህነፆም ኣባይቲን መምሃሪ ክፍሊታትን ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ተፀዋዕቲ ትካላትን ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ቀብሪ በያህ ብኣገልግሎት ወለንታ ዘህነፁዎም ናይ ዓቕመ ደካማታት ኣባይቲን መምሃሪ ክፍሊታትን ንተጠቀምቲ ኣረኪቡ።

እቲ ሚኒስቴር ነቶም መንበሪ ኣባይቲን ንተወሳኺ መምሀሪ ክፍሊታት መህነፂ ብሓፈሻ 16 ሚሊየን ብር ወፃኢ ከምዝገበረ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ኣብቲ እዋን÷ ህንፀቶም ዝተዛዘሙ ኣባይቲ ብፅሬትን ብትሑት ወፃኢን ከምዝተኣነፁ ገሊፀን፡፡

ኣብ ስራሕቲ ክረምታዊ ወለንታ ብምስታፍ ኣብ ትሑት ብርኪ ናብራ ዝርከቡ ነበርቲ ናይ ምድጋፍ ተግባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment