ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ኣብ ምፍራይ ሽምዓ፣ ዘይቲ፣ ሳሙናን ካልሲን ዘሰልጠኖም 110 መናእሰይ ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ትሕብብር ልምዓት ጀርመን(ጂ.አይ. ዜድ) ብምትሕብባር  ኣብ ምፍራይ ሽምዓ፣ ዘይቲ፣ ሳሙናን ካልሲን ዘሰልጠኖም 110 መናእሰይ ኣመሪቑ።

ሚኒስትር ሙፈሪሃት ካሚል፥ ተምሃሮ ካብ ተካላት ተምህርቲ እንተይወፅኡ ንስራሕ ኣድለይቲ ዝኾኑ ክእለታት ንክረኽቡ ንምግባርን ምስ ዓውዲ ውልቀ ናይ ምትእስሳር ከይዲ ንምፍጣርን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ከምዘለዉ ተዛሪበን።

ትሕብብር ልምዓት ጀርመንን ካልኦት ደገፍ ዝገበሩ ኣካላትን እውን አመስጊነን።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ኣይተ ንጉሹ ጥላሁን፥ ካብቶም ተመረቕቲ እቶም 86 ቀዳማይ ዲግሪ ዘለዎም ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

24 ድማ ካብ ቴክኒክን ሙያን ከምዝተመረቑ ብምግላፅ ኣብ 22 ኢንተርፕራይዛት ከምዝተወደቡ ኣብሪሆም።

ነቶም ኢንተርፕራይዛት ክፍለ ከተማ ጨርቆስ መስርሒ ቦታ ዘዳለወሎም እንትኸውን፥ ኣብ ቀፃሊ ልቓሕን ናይ መፍረዪ መስርሒ ልቓሕን ዕድጊት ከምዝፍፀመሎም ተዛሪቦም።

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment