ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ካምፓኒ ኢንተርናሽናል ሆልዲንግ ኦሬንት ቻይና ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ምስ ካምፓኒ ኢንተርናሽናል ሆልዲንግ ኦሬንት ቻይና ኣብ ዓውዲ ጨርቃ-መርቂ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዘኽእል ስምምዕነት ከቲሙ።

ሰብ ሙያ ኢትዮጵያ ንዓለም ለኸ ዕዳጋ ብቑዓት ንክኾኑ ዘኽእል ስልጠና ንምሃብ ዘኽእል ኢዩ ተበሃሉ።

ኣብቲ ሰነድ ስምምዕነት፥ ኣብ ዓውዲ ቴክኒክን ሙያን ሚኒስትር ዴኤታ ስራሕን ክእለትን  ተሻለ በሬቻን(ዶ/ር) ኣቦ መንበር ካምፓኒ ኢንተርናሽናል ሆልዲንግ ኦሬንት ቻይና ቶንግ ጂሺንግን ክታሞም ኣምቢረሙሉ።

ተሻለ በሬቻን(ዶ/ር)፥ ኢንዱስትሪ ጨርቃ መርቂ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ኣብ ምምዕባል ዓውዲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ጨርቃ-መርቂ ዝሐሸ ኣፍራይት ንክትኸውንን ብቑዓት ሞያተኛታት ንምፍራይን ዕዙዝ ኣበርክቶ ከምዝህልዎ ገሊፆም፡፡

ብታሪኩ ወልደሰንበት

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment