ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣  4 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣመራርሓን ሰራሕተኛን ሚኒስቴር ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ናይ ኣካል ድጋፍ ናውቲን ናይ ሓደ ወርሒ መሃያን ደገፍ ገይሮም።

ኣብ ምምካት መጥቃዕቲ ኣሸባሪ ህወሓት  ንዝተዋፈረ  ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝውዕል  30 ዊልቼር፣ 100 ክራንች፣ 45 መኽየዲን 20 መደገፊን ብድምሩ 195 ዝተፈላለዩ ናውቲታት መደገፊ ኣካል ኣበርኪቶም።

ብተወሳኺ ደም ለጊሶም።

ሚኒስትር እቲ ሚኒስቴር ዶክተር ኤርጎጌ ተስፋዬ፥ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሉእላውነት ሃገር ንምቕፃል ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብምስላፍ ክቡር ህይወት ኣብ ምኽፋል ይርከብ ኢለን።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር ኣቶ ጌታቸው ሃይለማሪያም ብግደኦም፥ እቲ ትካል ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር ንዘበርከቶ ኩሉ ደገፍ ምምስጋኖም ካብቲ ሚኒሰቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ብተመሳሳሊ ሰራሕተኛታት ሚኒስቴር ደቂ ኣንስቲዮን ህፃናትን  ንሰራዊት ምክለኻል ሃገር ዝኸውን ናይ ሓደ ወርሒ መሃየኦም ንምልጋስ ቃል ኣቲዮም።

እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ከምዝስለፉ ተዛሪቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፥

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanaእ broadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment