ሚኒስቴር ሰላም “ፌዴራሊዝምን ህንፅት ሰላምን ኣብ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ምስ ዝተፈላለዩ መዳረግቲ ኣካላት ይዝቲ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሰላም “ፌዴራሊዝምን ህንፅት ሰላምን ኣብ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ቃል ምስ ዝተፈላለዩ መዳረግቲ ኣካላት ይዝቲ ኣሎ፡፡

መኽፈቲ እቲ መድረኽ ኣብ ሚኒስቴር ሰላም ብማዕረግ ሚኒስትር ዴኤታ ኣማኻሪ ሚኒስትር ኣይተ ካይዳኪ ገዛኸኝ÷ ስርዓት ፌደራልዝም ብሕገ መንግስቲ ብዝተቀመጠ መልክዑ ነቲ ሕብረተሰብ ግንዛበ ብምዕባይ ኣብቲ ሕብረተሰብ ዘሎ ዝተሰሓሓተ ኣመለኻኽታ ብምትዕርራይ ሰላምን ድሕንነት እዛ ሃገር ውሑስ ምግባር ኣገዳሲ እዩ ኢሎም፡፡

ኣይተ ካይዳኪ÷ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ስርዓት ፌደራል ሚዛኑ ሓልዩ እናተሃነፀ ንክኸድ ዘድልዩ ካብ ምንኣስ ፍልጠትን ግንዛበን ጀሚሩ ሓደሽቲ እዋናዊ ድልየትን ሕቶታት ህዝብን ብኣግባቡ ንምምላስ ዘኽእል ክእለት ዘይነበሮም ምዃኖም ገሊፆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ስርዓት ፌደራል ዝተዛብዑ ግርታታት ንምቕራፍን ሕቶ ሕብረተሰብ ብኣግባቡ ንምምላስ መሰል ዘተታት ብምክያድ ክእለት ኣካላት መንግስቲ ንምዕባይን ግንዛበ እቲ ሕብረተሰብ ንምስፋሕ ረብሕኡ ዝለዓለ ምዃኑ ገሊፆም፡፡

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፣ ኣባላት ቤት ምኽሪ ክልልን ፌዴሬሽንን ኢሉ እውን ምሁራን ዩኒቨርሲትን ላዕለዎት ኣመራርሓ ሚኒስተር ሰላምን ሰብ ሞያታትን ከምዝተሳተፉ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment