ሚኒስቴር ሰላም ንዞባ ጎፋ 6 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ዝግመት ደገፍ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሰላም ኣብ ዞባ ጎፋ ብዘጋጠመ ሓደጋ ጋህሲ መሬት ጉድኣት ንዘጋጠሞም ዜጋታት ዝውዕን 6 ነጥቢ 4 ሚሊየን ብር ዝግመት ናይ ዓይነትን ገንዘብን ደገፍ ገይሩ።

ካብ መንጎ እቲ ዝተገበረ ደገፍ፥ 2 ነጥቢ 2 ሚሊየን ብር ብጥረ ገንዘብ ከምዝተውሃበ ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ሰላም ብናልፍ ኣንዷለም፥ በቲ ሓደጋ ጉድኣት ብዘጋጠሞም ወገናት ዝተሰመዖም ሓዘን ገሊፆም።

እቲ ደገፍ ንርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ጥላሁን ከበደ ኣረኪቦም።

Comments (0)
Add Comment