ሚኒስቴር ሰላም ምስ ተፀዋዕቲ ትካላት፣ ኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዘሳለጦ ምይይጥ ዛዚሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ሰላም ፌዴሪኢ ምስ ተፀዋዕቲ ትካላት፣ ኣካላት ፀፅታን ድሕንነትን ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ንሽዱሽተ መዓልቲታት ከሳለጦ ዝቐነየ ምይይጥ ብዓወት ምዝዛሙ ኣፍሊጡ።

እቲ ምይይጥ ምኽባር ሕጊን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ዝተዳህሰሱሉ እንትኸውን፥ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዓውዲ ፀፅታን ድሕንነትን ብፌዴራል፣ ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተሰርሑ ቀንዲ ቀንዲ ስራሕቲ ኣፈፃፅመኦም፣ ጥንኩርን ድኹምን ጎድኒታቶም ብዕምቆት ተገምጊሙ።

ኣብ ዝቕፅል ትልሚ በጀት ዓመት፣ ኣብ መሪሕ ትልሚ 10 ዓመትን ሕብረተሰብ ዘማእኸለ ህንፀት ሰላምን እውን ዘተ ተኻዱ ኢዩ።

ብተወሳኺ ቤተሰባት ሰላም ሓላፍነቶም ኣብ ዝዋፅኡሉ እዋን ከጋጥሙዎም ዝኽእሉ ወጥሪታት ንምንካይ ዝሕግዝ ስልጠና ስትረስ ማኔጅመንት ከምዝወሰዱ ተገሊፁ።

ኣብቲ ንሽዱሽተ መዓልቲ ዝፀንሐ መርሃ-ግብሪ ምይይጥ፥ ፕጀክታት ምፅባቕ ሸገርን ፓርክ እንጦጦን ብጉብናይ ከምኡ እውን መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ብምስላጥ ምዝዛሙ ካብ ሚኒስቴር ሰላም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment