ሚኒስቴር ሰላም ምስ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ዘለዎ ምትሕብባር ከምዘጠናኽር ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስትር ሰላም ሙሓመድ እድሪስ ኣመራርሓን ኣባላት ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕም ምስ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ዘለዎ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም፡፡

ፕሬዚዳንት እቲ ቤት ምኽሪ ሼኽ ሃጂ ኢብራሂም ቱፋ÷ ሓድነት ሙስሊምን ሰላም ሃገርናን ንምጥንኻር ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናሰርሐ ከምዝኾነን እዚ ከምዘጠናኽርን ገሊፆም፡፡

እቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዘካይዶ መረፃ መጅሊስ መንግስቲ ኣድ ሓገዝ ንኽገበርሎም ሓቲቶም፡፡

እቶም ሚኒስትር ብግደኦም ኣብ ህንፀት ሰላምን ሃገራዊ ጉዳያትን ምስቲ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ዘለዎም ትካላዊ ምትሕብባር ከምዘጠናኽሩ ኣረጋጊፆም፡፡

እቲ ሚኒስቴር ምስ ኩሎም ኣቦታትን ትካላት እምነትን ብምትሕብባር ከምዝሰርሕ ብምሕባር÷ መፃኢ መረፃ መጅሊስ ብሰላማዊ ኩነታት ንኽካየድ መንግስቲ ኣድላዪ ሓገዝ ከምዝገብር ኣብሪሆም፡፡

Comments (0)
Add Comment