ሚኒስቴር ሰላምን ፋውንዴሽን ስተርሊንግን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሰላምን ፋውንዴሽን ስተርሊንግን ተወሳኽቲ ሓደሽቲ ፕሮጀክትታት ብምቕራፅ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም።

ኣብ ህንፀት ሰላም ብሓባር ንምስራ ዘኽእል ዘተ እውን ከምዝተገበረ ተገሊፁ።

ስተርሊንግ ፋውንዴሽንን ብምውካል ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸቡ ኣባላት ልኡኽ፥ እቲ ሚኒስቴር ሰላም ንምርግጋፅ ዝሰርሖ ዘሎ ስራሕቲ ንኢዶም።

ኣብ ቀፃሊ እውን ተወሰኽቲ ሓደሽቲ ስራሕቲ ብምቕራፅ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ንምስራሕ ናይ ሓባር ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment