ሚኒስቴር ሰላምን ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 13 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ሰላምን ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ኢትዮጵያን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ህንፀት ዓቕሚ፣ ኣጠቓቕማ ሃፍቲ፣ ልውውጥ ሓበሬታን ልምዲን፣ ከምኡ እውን ተዛመድቲ ጉዳያት ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ምዃኑ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

መበገሲ ጎንፂታት ምፅናዕ፣ ጎንፂታት ዝፍትሑሉ ሓሳብ ምቕራብ፣ ብሄራዊ ምርድዳእ ምፍጣርን ካልኦትን፤ ክልቲኦም ትካላት ዘተሓባብሩዎም ናይ ሓባር ጉዳያት ኢዮም ተባሂሉ።

ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ስምምዕነት ድማ ክልቲኦም ትካላት ዝዋረሱዎም ራኢታትን ዕላማታትን ብዝተዋደደን ብዝተተለመን ኩነታት ተሓባቢሮም ግዘ፣ ገንዘብን ጉልበትን ብምዕቃብ ውፅኢታዊ ስራሕ ንምስራሕ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment