ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሚኒስቴር ሰላምን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ኢትዮጵያን ኣብ ስራሕቲ ሃገራዊ ህንፀት ሰላም ብሓባር ከምዝሰርሑ ኣፍሊጦም።
ሚኒስትር ሰላም ኣይተ መሓመድ እድሪስን ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስን ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመረ ሰላም ኣጠናኺርካ ምቕፃል ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ጠመተ ብምግባር ዘቲዮም።
ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፥ ቤተክርስቲያን መስ መንግስቲ ብምድግጋፍን ብምቅርራብን ኣብ ክሊ ሰላም ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ብትግሃትን ብምቅርራብን ከምእትሰርሕ ኣረጋጊፆም።
ኣይተ መሓመድ እድሪስ ብግደኦም፥ ኦርቶቶክስ ቤተ ክርስቲያን ሐዚ ዘሎ ሰላም ንክጉልብት፣ ዝረኣዩ ዘለዉ ብድሆታት ሰላም ንክፍትሑን ዘላቒ መፍትሒ ንክመፅእን ሃገራዊ ፀሎት ሰላምን ፃውዒትን ንክትገብር ፃውዒት ከምዘቕረቡ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ንሰላም ተባሂሉ ዝኽፈል ዝኾነ ይኹን ዋጋ መንግስቲ ከምዝኸፍል ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ሚኒስትር ሰላም እውን ምስ ኣቦታትን ትካላት ሃይማኖትን ብምትሕብባርን ምድግጋፍን ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፆም።