ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ንወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራት መብርሂ ይህብ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ሕዳር፣2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ምክልኻል ፌዴሪኢ ንወታደራዊ ኣታሼታት ዝተፈላለያ ሃገራት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ መብርሂ ይህብ ኣሎ።

ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ቀነኣ ያደታ ኣብ ዝተረኸቡሉ እናተሳለጠ ዝርከብ እቲ መብርሂ፥ ካብ 45 ሃገራት ንዝተውፃእፅኡ ወታደራዊ ኣታሼታት ኢዩ መብርሂ እናተውሃበ ዝርከብ።

ኣብ ዕላማ፣ መበገሲን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዝርከበሉ ብርኪን ብዝምልከት ኣብ ልዕሊ ፅፈኛ ጉጅለ እናተወሰደ ዝርከብ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ወፍሪ ህልውናን ኢዩ ገለፃ ተገይሩ ዘሎ።

ሚኒስትር ምክልኻል ዶክተር ቀነኣ ያደታ እቲ ጉጅለ ኩሎም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት እናፈፀመ ከምዝነበረ ዝገለፁ እንትኾኑ፥ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል ክሕደት ክሕደት ብምፍፃሙ ናብ ሕጊ ምቕራብ ናይ ግድን ስለዝኾነ ዝተኣተወ ወፍሪ ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ቡድኑ ራሱን ለጦርነት ሲያዘጋጅ መቆየቱ ሳያንስ ህገመንግስቱን የተፃረሩ በርካታ ተግባራትን መፈፀሙን እና ለሀገር ህልውና ስጋት የሆነውን ቡድን ወደ ህግ ማቅረብ የዘመቻው ግብ እንደሆነም ተብራርቶላቸዋል።

እቲ ጉጅለ ብዝነዝሖ ፕሮፓጋንዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እናተወሰደ ዘሎ ስጉምቲ ብምምሳል ንምቕራብን ዓለም ለኻዊ መልክዕ ንመሃብ ልዑል ፃዕ እናገበረ ከምዝኾነን እዚ ድማ ብሰበብ ተኹሲ ጠጠው ምባል ግዜ ንምግዛእ ፃዕሪ እናገበረ ከምዝርከብ ተገሊፁሎም።

እቲ ወፍሪ ህዝቢን ንፁሃን ዜጋታትን ካብ ገበነኛ ጉጅለ ብዝፈለየ መልክዑ እናተኻየደ ምዃኑ ዝምልከት መብርሂ እውን ተዋሂቡ።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment