ሚኒስቴር ምክልኻል ንቤተ-መፃሕፍቲ ኣብርሆት ልዕሊ 1 ሚሊየን ብር ዋጋ ዘለዎም መፃሕፍቲ ኣበርኪቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ምክልኻል ልዕሊ 3 ሺሕን 500 መፃሕፍቲ ንቤተ-መፃሕፍቲ ኣብርሆት ኣበርኪቱ።

እቶም መፃሕፍቲ ብሓፈሻ ግምታዊ ዋገኦም ልዕሊ 1 ሚሊየን ብር ዝግመት እንትኸውን÷ንምምሃር ምስትምሃር ዝኸውን ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎም ከምዝኾኑ ተገሊፁ።

ሚኒስቴር ምክልኻል ኣብርሃም በላይ ንዋና ዳይሬክተር ቤተ-መፃሕፍቲ ኣብርሆት ውብአየሁ ማሞ ኣረኪቦምዎም።

እቶም መፃሕፍቲ ካብ መምርሒ ጥዕና ምክልኻል፣ ዋር ኮሌጅ ምክልኻል፣ ካብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻልን ሚኒቴር ምክልኻልን ብውልቀ ተበግሶ ዝተበርከቱ ከምዝኾኑ ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment