ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ምክልኻል ቻይና 200 ሺሕ ዶዝ ክታበት ኮቪድ 19 ንሚኒስቴር ምክልኻል ኢትዮጵያ ድጋፍ ገይሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ቻይና ወታደራዊ ኣታሼ ሲነር ኮሎኔል ሆንግ ዣንግ፥ ቻይና ንኢትዮጵያ እትገብሮ ድጋፍ ከምእትቕፅል ኣረጋጊፆም።
ኣዛዚ ኮምፕሪሄንሲቭ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ሓይሊታት ጦር ብርጋዴር ጄነራል ዶክተር ሃይሉ እንደሻው፥ ቻይና ንዝገበረቶ ድጋፍ ኣመስጊኖም።
ሐዚ ዝተረኸበ ድጋፍ ን100 ሺሕ ሰባት ሙሉእ ክትባት ምሃብ ከምዘኽእል ተወካሊ ሓላፊ መምርሒ ናይ መከላከያ ጥዕና ምምዕባልን ምክልኻል ሕማማትን ኮሎኔል ዶክተር ኣለሙ ትኬ ተዛሪቦም።
ኣብ ግንባር ተዋፊሩ ንዝርከብ ሰራዊት ምክልኻል እቲ ክታበት ንምጉዕዓዝን ንምብፃሕን ምስ ኤጀንሲ ኣቕራቢ መድሓኒት ኢትዮጵያን ካልኦት መዳርገቲ ኣካላትን ብምትሕብባር ይስራሕ ከምዘሎ ምዝራቦም ካብ መከላከያ ሰራዊት ፌስቡክ ገፅ ዝረከብናዮ ሓበሬታ የረደእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።