ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር እዋናዊ ኩነታት ሰራዊት ብዘይተረጋገፁ ሓበሬታታትን ቤላቤሎን ምውዛዕ ብህፁፅ ደው ክብል ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣17 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ምክልኻል ሃገር እዋናዊ ኩነታት ሰራዊት ብዘይተረጋገፁ ሓበሬታታትን ቤላቤሎን ምውዛዕ ብህፁፅ ደው ክብል ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ሚኒስቴር ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ተሳትፎን ደገፍን ህዝቢ ጠንካራ ምዃን፣ ሰራዊት ምክልኻል ልኡላውነት ሃገር ንምሕላው ዝተውሃቦ ልኡኽ ብብቕዓት ንምውፃእ ወሳኒ ኢዩ ኢሉ።

ኣብ ህዝብን ሰራዊትን ዝተሃንፀ ምትእምማንን ምድግጋፍን ኣብ ፅኑዕ ሰረት ደው ዝበለ ከምዝኾነ እውን ሓቢሩ።

ስለዝኾነ ንዘጋጠሙ ፈተናታት ብሓባር ብምሽጋር ሉእላውነትን ሓድነትን ሃገር ምኽባር ከምዝተኽኣለ ኣብሪሁ።

ንቐፃሊ እውን ፀላእቲ ዝድግስዎ ሽርሒን መሻገንን ብምፍላጥን ብምፍሻልን ንሳቶም ንዝፈጥርዎ እኩይ ዕላማ ዘይንብዳህ ምዃንና ብተግባር እናርአና ክንቅፅል ኢና ኢሉ።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኲናት ይቕስቅስ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ነዚ ድማ ብኣፈኛታቱ ኣቢሉ ሽም ሰራዊት ኣብ ምጥፋእ ተፀሚዱ ከምዘሎ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ዘወንጅሉ ስራሕቲ ከምዝተፀመዱ ብምብራህ፥ ንማዕኸናት ዓለም ከይተረፈ ስኑዕ ሓበሬታ ይህቡ ከምዘለዉ እቲ መግለፂ ኣረዲኡ።

ዝተወሰኑ ፀብፃባት ማሕበራዊ ሚዲያን ሓበሬታታትን  ነቲ መዕነዊ ፀለመ ብዘይግቡእ መገዲ ይቕበልዎ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

“ፀላኢ በዚ ወፅአ ኣተወ፤ ሰራዊት ምክካል ሃገር በዚ ወፅአ ኣተወ” ዝብሉ ወረታት ብፍፁም ዜናን ትንታነ ዜናን ክኾኑ ኣይግባእን ኢሉ።

እቲ ኲናት ንክፅብፅቡ ፍቓድ ካብ ዝተውሃቦም ወፃእ ኣብ ልዕሊ ህልውና ሃገር ዘንፀላለወ ኲናት ብማሕበራዊ ሚዲያ ምንፋስ ምርግጋዕ ህዝቢ ካብ ምህዋኽ ሓሊፉ ተግባር ሓይሊታት ፀፅታ ከምዝህውኽ ሓቢሩ።

ስለዝኾነ እዚ ኣሉታዊ ተግባር ብፍላጥ ይኹን ብዘይፍላጥ ዝተዛብዐን ዘይግቡእን ፀብፃብ ዝፅብፅቡ ኣካላት ማሕበራዊ ሚዲያ ካብ ተግባሮም ንክቑጠቡ ኣተሓሳሲቡ።

እዚ ተግባር ዝቕፅሉ እንተሃሊዮም ግን ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝውሰድን ከከምኣድላይነቱ ገበን ክሲ ብምምስራት ተሓተትቲ ከምዝግበሩን ኣገንዚቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment