ሚኒስቴር ማይ መስኖን ኢነርጂን ምስ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሪካ ብምትሕብባር ተግባራዊ ዝኸውን ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፤ 7 ነሓሰ፣ 2012(ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስቴር ማይ መስኖን ኢነርጂን ምስ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣፍሪካ ብምትሕብባር ተግባራዊ ዝኸውን ፕሮጀክት ዕላዊ ኮይኑ።

እቲ ፕሮጀከት 3 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዶላር ኣሜሪካ በጀት ዝተትሓዘሉ እንትኸውን፥ ኣብ ንኡስ ተፋሰስ ኣባይ ዘለዋ ንኡሳት ሩባታት ጉደር፣ ሙገርን ጀማን ተግባራዊ ዝግበር ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስቴር ማይ መስኖን ኢነርጂን ምስ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ዝትግበር እዚ ፕሮጀክት ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ሓጋዚ ምዃኑ ተገሊፁ።

ዋና ፀሓፊ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣብ ኣፍሪካ ዶክተር ቬራ ሴንግዌ፥ እቲ ፕሮጀክት ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ከምኡ እውን ንነበርቲ ብፍላይ ድማ ንደቂ-ኣንስትዮ ዝተፈላለዩ መማረፂታት ብምምዕርራይ ናብረኦም ንምምሕያሽ ዝሕግዝ ምዃኑ ገሊፆም።

ሎሚ መዓልቲ ዕላዊ ዝኾነ እቲ ፕሮጀክት “ተፈጥሮ መሰረት ዝገበሩ መፍትሕታት ንሓለዋ መሰረተ-ልምዓት ማይ ኢትዮጵያን ዓቕሚ ህንፀት ማሕበረሰብን” ብዝብል መሪሕ ቓል ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ዝትግበር ምዃኑ ኣብ ሚኒስቴር ማይን መስኖን ኢነርጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ፕሮጀክት ሃገር በቆልን ናይ ወፃኢ ዓሌት ዘለዎም ኣግራብ ብምትካልን ብምሕብሓብን፣ ስነ-ምህዳር ካባቢ ብምሕላው ስራሕቲ ዕቀባ ማይን ሓመድን ብምክያድ ዝዓረቑ መሬታት ተመሊሶም ንክድሕኑ ብምግባር መሰረተ-ልምዓት ማይን ስነ-ምህዳር ከባቢን ብምሕላው፤ እቲ ማሕበረሰብ ከጋጥሙ ዝኽእሉ ፈተናታት ብምፅዋርን ዓቕሚ ብምህናፅን ንነበርቲ ዝተፈላለዩ መማረፅታት ብምምችቻው ናብረኦም ምምሕያሽን ዕላማ ዝገበረ እዩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment