ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣገልግሎት ሚቲዎሮሎጂ ንምዝማን ምስ ኤምባሲ ፊንላንድ ብሓባር እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣገልግሎት ሚቲዎሮሎጂ ንምዝማን ምስ ኤምባሲ ፊንላንድ ብሓባር እናሰርሐ ምዃኑ ገሊፁ።

ካብ መንግስቲ ፊንላንድ ብዝተረኸበ ሓገዝ ፕሮጀክት ምልከታን ዓቕሚ ህንፀትን ሚቲዎሮሎጂ ተግባራዊ ከምዝተገበረ እውን እቲ ሚኒስቴር ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ፕሮጀክት ተኸላ ራዳራት መተንበዪ ሚቲዎሮሎጂ ኣየር፣ መከታተሊ መብረቕን ብኽለት ኣየርን ከምኡ እውን ተኸላ መርከቢ ዝተዋደደ ሓበሬታ ትምበያ ኣየር “ስማርት ሜት” ከምዝካየድ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጅነር ሃብታሙ ኢተፋ፥ ኣምባሳደር ፊንላንድ ኦውቲ ሆሎፓይነን ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተቐቢሎም ኣዘራሪቦም።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ድማ ዋና ዳይሬክተር ኢንስትቲዩት ሚቲዎሮሎጂ ኢትዮጵያ ፈጠነ ተሾመን መሳርሕቶምን ከምኡ እውን ካብ ኤምባሲ ፊንላንድ ዝመፅኡ ሓለፍቲን ሰብ ሞያን እቲ ዓውዲ ከምዝተረኸቡ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment