ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣብ ዞባ ቦረና ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ሓገዝ ናውቲ  ምግቢ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ማይን ኢነርጂን ኣብ ዞባ ቦረና ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት 2 ነጥቢ 3 ሚሊየን ብር ዝግመት ሓገዝ ናውቲ  ምግቢ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ሚኒስትር ማይን ኢነርጂን ሃብታሙ ኢተፋ ንኣባ ገዳታትን ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ እቲ ዞባን ኣረኪቦም፡፡

እቶም ሚኒስትር ኣብቲ እዋን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ ፀገም ማይ ዞባ ቦረና ብዘላቕነት ንኽፍታሕ ምስ መዳርግቲ ኣካላት እናተሰርሐ ይርከብ ኢሎም፡፡

ፕሮጀክት ማይ ተዛዚሙ ሕቶ ህዝቢ ብመሰረታዊነት ምላሽ ክሳብ ዝረክብ ብድርቂ ዝተጎድኡ ዜጋታት ዕለታዊ ሓገዝ ምግቢ ምቕራብ ከምዝግባእ እውን ገሊፆም።

እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ቦረና ጃርሶ ቦሩ÷ እቲ ዞባ ብምኽንያት ድርቂ ልዕሊ 600 ሺሕ ክፋላት ሕብረተሰብ ሓገዝ ክዘድልዮም ብምሕባር፤ ንዝተገበረ ሓገዝ ምስጋና ምቕራቦም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment