ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ ርብዒ በጀት ዓመት 2017 ዓ.ም 20 ሚሊየን ጨቛቑቲ ከምዝተኸፋፈለ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ፡፡
ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ኣፈፃፅማ እቲ ርብዒ ዓመት ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፤ መፍረያይበት ሕርሻ ንምዕባ ዘኽእሉ ተግባራት እናተወገኑ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።
ካብ ሞንጎ እዚ 20 ሚሊየን ጨቛቑቲ ከምዝተኸፋፈለ ፀሪሖም፡፡
ኣብ በጀት ዓመት 2016/17 ብመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ልዕሊ 7 ነጥቢ 6 ቢሊየን ፈልሲታት፤ ኣብ ዝሓለፉ 6 ዓመታት ድማ 40 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ እውን ተዛሪቦም፡፡
ናብ ወፃኢ ካብ ዝተለኣኹ ፍርያታት ዓውዲ ሕርሻ 796 ሚሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ብምግላፅ፤ ካብ ፍርያት ቡን ጥራሕ 519 ሚሊየን ዶላር ከምዝተረኸበ ኣብሪሆም፡፡
ብኻእ መዳይ ኣብዚ ዓመት ካብ ዝተሓሰበ ሓፈሻዊ 80 ቢሊየን መርሃ ግብሪ ሴፍትኔት 45 ቢሊየን ብር ንገፀር ከምዝተሰናደአ ኣፍሊጦም፡፡
ብታሪኩ ወ/ሰንበትን መሳፍንት እያዩን