ሚኒስቴር ሕርሻ ተፈጥሮኣዊ ዱኽዒ ብምስፋሕ ንምጥቃም ብዝተጠናኸረ መልክዑ ከምዝሰርሕ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ኣብ ረብሓ ዝውዕሉ ተፈጥሮኣወዊ ዱኽዒን “ዘርሚ” ዝተብሃለ ኮምፖስትን ብስፍሓት ንምጥቃም ስራሕቲ ከምዝተጀመሩ ሚነሲቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ሚኒስቴር ዳይሬክተር ምምሕያሽ ልምዓት ሓመድ ተፈራ ሰሎሞን ከምዝገለፁዎ፥ ዋላኳ ተፈጥሮኣዊ ዱኽዒታት ነሰብ ስራሕ ዱኽዒ ሙሉእ ብሙሉእ ዝትክእ ኣይኹን እምበር፤ ክልቲኦም ዓይነታት ዱኽዒ ከከም ኩነታቱ ብምጥማር ምጥቃም ግን ንዘጋጠመ ሕፅረት ዱኽዒ ንምፍታሕ ልዑል ሓገዝ ኣለዎ።

ተፈጥሮኣዊ ዱኽዒ ሕዚ ንዘጋጠመ ሕፅት ካብ ምሽፋን ብተወሳኺ ብሕፅረት ዱኽዒ ሕፅረት ፍርያት ከየጋጥም ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎ ኣይተ ተፈራ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝቕፅል ዓመት ተፈጥሮኣዊ ዱኽዒ ብስፍሓት ንምብፃሕ ሚኒስቴር ሕርሻ ብዝተጠናኸረ መልክዑ ከምዝሰርሕ እውን ገሊፆም።

ብኣልማዝ መኮንን

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment