ሚኒስቴር ሕርሻ ልሙዕነት ሓመድ ንምሕላውን ዝድለ ምህርቲ ንምፍራይን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ይዛተ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሚኒስቴር ሕርሻ ልሙዕነት ሓመድ ንምሕላውን ዝድለ ምህርቲ ንምፍራይን የኽእል ኣብ ዝበሎ ዛዕባ ኣድሂቡ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ይዛተ ኣሎ።

ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ብፍላይ ኣብዚ ሐዚ እዋን እናጋጠመ ዝርከብ ሕፅት ቀረብ ዘበናዊ ዱኽዒ ተተሓሒዙ ዘሎ ፀገም ብምፍታሕን ልሙዕነት ሓመድ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ንምሕላውን ብትኹት ክስራሕ ከምዝግበኦ ተሓቢሩ።

ብፍላይ ተፈጥሮኣዊ ዱኽዒ (ኮምፖስትን) ናይ ምድላው ልምዲ ምድንፋዕ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት ዘተኮረ ልዝብ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ ሃፍቲ ተፈጥሮ ፕሮፌሰር ኢያሱ ኤልያስ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ብዝገበሩዎ መደረ፥ ኢትዮጵያ ጠለብ ምግባ ብባዕላ ንምሽፋን መስኖ ሓጋይ ብምድንፋዕ ክረምታዊ ዝራእቲ ንምዕባይ ዓቢዪ ትኹረት ሂባ እናሰርሐት ከምዝኾት ብምግላፅ፤ ነዚ መሰረት ዝኾነ ዱኽዒ ዓቢዪ እታወት ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ስለዝኾነ ድማ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ተፈጥሮኣዊ ዱኽዒ ናይ ምስንዳእ ልምዲ ብዝበለፀ ምዕባይ ምስ ዝቐርብ ሰብ ስራሕ ዱኽዒ ኣጣሚርካ ድሌት ተጠቃምነት ዱኽዒ ንምዕዋት ብዕቱብ ምስራሕ ከምዘድሊ ተዛሪቦም፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ጠለብ ዱኽዒ ብዘላቕበት ንምፍታሕን ልሙዕነት ሓመድ ንምሕላውን ክስራሕ ዝግበኦ ጉዳይ ከምዝኾነ ኣገንዚቦም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment