ሚኒሰስትር ጉዳያት ወፃኢ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ እቲ ሕብረት ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒሰስትር ጉዳያት ወፃኢ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብ መበል 39 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ እቲ ሕብረት ንምስታፍ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምእታው ጀሚሮም።

ኮሚሽን እቲ ሕብረት ዘዳልዎ ኣኼባ ቤት ምኽ ፈፃሚ ስራሕ ካብ 4 ክሳብ 5 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ኣብ ዋና መቐመጢ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ኢዩ።

ኣብቲ ኣኼባ ንምስታፍ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ላይቤሪያ ዲ-ማክስዌል ሳህ ኬማያ፥ ሎሚ መዓልቲ ንጉሆ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ፥ ዋና ሹም ፕሮቶኮል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣይተ ፈይሰል ዓሊን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ሚኒስቴር ኣቀባብላ ከምዝገበሩሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ መበል 39 ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኣፈፀምቲ ስራሕ ሕብረት ኣፍሪካ፥ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ 55 ኣባል ሃገራት እቲ ሕብረት ክሳተፉ ኢዮም ትፅቢት ኣሎ።

እቲ ኣኼባ ቤት ምኽሪ፥ መራሕቲ ሃገራት፣ ትካላት ማሕበሰብ ዞባዊ ኢኮኖሚ ሕብረት ኣፍሪካን ኣብ ትሕቲ እቲ ሕብረት ዝርከቡ ትካላት ኣብ ሳልሳይ መንፈቕ ዓመት ንዝገብሩዎ ጥሙር ዘተ ዛዕባታት ዝቐርቡሉ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment