ሚኒሰስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ሚኒስትር ሕርሻ ዑመር ሑሴንን ምስ ፕሬዚዳንት መበል 26 ኮንፈረንስ ኩነታት ለውጢ ኣየር ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ሚኒሰስትር ገንዘብ ኣሕመድ ሽዴን ሚኒስትር ሕርሻ ዑመር ሑሴንን ምስ ፕሬዚዳንት መበል 26 ኮንፈረንስ ኩነታት ለውጢ ኣየር ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣሎክ ሻርማ ኣብ ሓምለዋይ ልምዓት ኣድሂቦም ተዛቲዮም።

እቶም ሚኒስትራት ምስቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፥ ለውጢ ኣየር ኣብ ተግባራት ምክልኻል ሓምለዋይ ልምዓትን መሊስካ ምህናፅ ብዛዕባ ዝከኣለሉ ኩነታትን ኣመልኪቶም ተላዚቦም።

ኩነታት ለውጢ ኣየር ንምክልኻ ኣብ ዝካየዱ ስራሕቲ ልምዓት ኣብ ልዕሊ ሃፍቲ ተፈጥሮ ዝፍጠሩ ፀገማት ተፈጥሮኣዊ ምላሽ ንመሃብ ቁልፊ ግደ ከምዝህልዎም ኣብቲ ዘተ ከምዝተልዓለ ግዜኢ ፀብፂቡ።

መበል 26 ጉባኤ ለውጢ ንብረት ኣየር ውድብ ሕቡራት መንግስታት፥ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ኣብ መወዳእታ ዓመት 2021 ኣብ ስኮትላንድ ከተማ ግላስኮው ከምዝካየድ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment