ሚስጢር ብልፅግና ኢትዮጵያ ምድማር፣ ምክብባርን ብሓባር ደው ምባልን ኢዩ – ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚስጢር ብልፅግና ኢትዮጵያ ምድማር፣ ምክብባርን ብሓባር ደው ምባልን ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፁም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ነዚ ዝበሉ ብ5 ነጥቢ 6 ቢሊየን ብር ተሃኒፁ ዝተዛዘመን ዝተፈላለዩ ፍሪያታት ሓፂነ መፂን ዘፍሪን መስፋሕፍሒ ፋብሪካ ቆርቆሮ ኣዳማ ሎሚ ኣብ ዘመረቕሉ እዋን ኢዩ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ፋብሪካ ካብ ንኡሽተይ ጀሚሩ ናብ ዓብዪ ናይ ምብፃሕ ተምሳሌት ኢዩ ኢሎም።

እቲ መስፋሕፍሒ ፕሮጀክት ኢንዳስትሪታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣድላዪ እታዎታት ህንፀት ንምፍራይ ዘለዎም ልዑል ዓቕሚ ዘርእይ ከምዝኾነ እወን ተዛሪቦም።

ኣብ 10 ዓመት ካብ ንኡስ ኢንዳስትሪ ናብ ዝለዓለ ምሽግጋር እንተኽኢሉ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ምብፃሕ ይከኣል ኢዩ እውነ ኢሎም።

ነዚ ድማ ኢትዮጵያውያን ክደጋገፉ ኣለዎም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፥ ይኹን እንበር ተነዓዒቕካን ተፀራሪፍካን ኢትዮጵያ ምዕባይ ኣይከኣልን ኢሎም።

ተሓባቢርና ብምስራሕ ዝማዕበለት ኢትዮጵያ ንርአ ክብሉ ተዛሪቦም።

ፋብሪካ ቆርቆሮ ኣዳማ ኣብ 2003 ዓ.ም ብ40 ቢሊየን ብር ካፒታል ናብ ስራሕ ዝኣተወ እንትኸውን፥ እቲ ፋብሪካ ስራሕ እንትጅምር ኣብ ዓመት ናይ ምፍራይ ዓቕሙ 30 ሺሕ ቶን ከምዝነበረ ተሓቢሩ።

ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ እንትኣቲ ን3 ሺሕ ሰባት ናይ ስራሕ ዕድል ከምዝፈጥር ድማ ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment