ሚሳይላትን ካልኦት ከቢድቲ ብረታትን ኣብ ዝነበሮ መኽዘን ኣፅዋር ሩሲያ ከቢድ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ መኽዘን ኣፅዋር ብዘጋጠመ ባርዕ ነበርቲ 14 ዓድታት ካብ ዝነበሩሉ ከባቢ ክወፅኡ ተገዲዶም።

በቲ ሓደጋ ብውሑድ ሽዱሽተ ሰባት ክቖስሉ እንከለዉ፥ ካልኦት ሓሙሽተ ድማ ኣብ ሆስፒታል ሓገዝ ሕክምና ይግበረሎም ኣሎ ተባሂሉ።

ብመሰረት እዚ ኣዋጅ እቶ እቶ ተኣዊጁ ከመዝተኣወጀ ተገሊፁ።

እቲ መኽዘን ሚሳይላትን ካልኦት ከቢድቲ ብረታትን ከምዝነበሮን ኣስታት 70 ሰራሕተኛታት ምክልኻል ባርዕ ናብቲ ቦታ ከምዝተዋፈሩን ተሓቢሩ።

ትማሊ ረቡዕ ብሳዕሪ መሮር ዝጀመረ ባርዕ ናብቲ መኽዘን ልሒሙ ነቲ ኣፅዋር ምስኣባርዖ ከቢድ ድምፂ ነትጒ ኣኸቲሉ ኢዩ ተባሂሉ።

መራኸቢ ሓፋሽ ሩስያ ኣብ ዝዘርግሕኦ ምስሊ፥ ዕሙር ፀሊም ትኪ ንሰማይ ክዓርግ ይረአ።

ብሰንኪ እቲ ዘጋጠመ ባርዕ ኣስታት 2 ሽሕ ዝኾኑ ኣብ ክሊ ሓሙሽተ ኪሎ ሜትር ርሕቐት ዝነብሩ ነበርቲ ካብቲ ቦታ ከምዝገዓዙ ሰብ መዚ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እውን ኣብ ሳይቤሪያ ኣብ ዝርከብ መደበር ኣፅዋር ብዘጋጠመ ባርዕ ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ክወፅኡ ምግባሩ ይዝከር።

ፍልፍል፦ቢቢሲ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

Comments (0)
Add Comment