ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ምስ መረፅቲ ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣማኻሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ቀዳማይ ሚኒስትርን ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝቢን ሙዓዘ ጥበባት ዲያቆን ዳንኤል ክብረት ኣብ ክፍለ ከተማ ለሚ ኩራ ምስ መረፅቲ ይዛተዩ ኣለዉ።

ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ተሳተፍቲ ኣብቲ ክፍለ ከተማ ኢሉ እውን መላእ ከተማ ዘለዉ ፀገማት ሓቲቶም።

ፀገማት ነበርቲ ተገንዚብና ስለ ዘለና ንመፍትሒኡ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም ዲያቆን ዳንኤል።

ነበርቲ እታ ክፍለ ከተማ ብግደኦም፥ ኣብ መሬት ዘሎን ብመራኸብቲ ሓፋሽ ዝውረን ዝተፈላለየ ከምዘኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ኩሉ ዓውዲ ምስ ስርቂ ብዝተዛመደ ክረኣዩን ክፍተሹን ዝግበኦም ጉዳያት ከምዘለዉ ተዛሪቦም።

ምስ ናህሪ ናብራ፣ ሰላም፣ ፈጠራ ዕድል ስራሕ፣ ትምህርቲ፣ ሰናይ ምምሕዳርን ምክእኣል ብዝዛመድ ዘተ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።

መንግስቲ ዘለዎ ፅዕንቶ ንሕና እወን ንርዳእ ኢና ዝበሉ እቶም ነበርቲ፥ ኣብ ቀፃሊ ከምዚ ብቐረባ ዘተ ክህልወናን ክንደማመፅን ይግባእ ኢሎም።

ብፈትያ ኣብደላ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment