መፍረይነት ሕርሻ ንምብራኽ ሓረስቶት ብዝተወደበ መልክዑ የካይድዎ ዘለዉ ምንቅስቃስ ዘኹርዕ ኢዩ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኣብ ትግራይ ፍርያትን መፍረይነትን ሕርሻ ንምብራኽ ሓረስቶት ብዝተወደበ መልክዑ የካይድዎ ዘለዉ ምንቅስቃስ ዓርሰ ምርኮሳና ንምርግጋፅ ዝለዓለ ኣበርክቶ ዘለዎ” ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ኣይተ ጌታቸው ህልዊ ኩነታት ኣዝመራ ንምዕዛብን ምስ ሓረስቶት ንምዝታይን ኣብ ዝተፈላለያ ወረዳታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ዑደት የካይዱ ኣለው።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር÷ አብ ወረዳ እምባ ኣለጀ ጣብያ ዓይባ ፊድ ዘፊቸር ብዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ይለምዕ ኣብ ዘሎ ክላስተር ሙሩፅ ዓሌት ዝራእቲ ስርናይ ተዘዋዊሮም ተዓዚቦም።

ኣይተ ጌታቸው ኣብቲ እዋን ዑደት ከምዝበሉዎ÷ ሓረስቶት መፍረያይነት ሕርሻ ንምብራኽ ብዝተወደበ መልክዑ ብክላስተር ዝሰርሑዎ ዘኹርዕ ከምዝኾነ ገሊፆም።

“እዚ ስራሕ ዓርሰ ምርኮሳና ንምርግጋፅ ዝለዓለ ኣበርክቶ ስለዘለዎ ተጠናኺሩ ክቅፅል ይግባእ” እውን ኢሎም።

ፕረዚደንት ጌታቸው ኣብ ዩኒቨርሲቲ ራያ እናተሰርሑ ዝርከቡ ስራሕቲ ምርምር፤ ኣብ ወረዳ ራያ ዓዘቦን እውን ዑደት ብምክያድ ምስ ሓረስቶት ከምዝዛተዩ ተሓቢሩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment