መፍረይቲ ትካላት መሰረታዊ ተስፋታት ትግራይ ኢዮም – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መፍረይቲ ትካላት መሰረታዊ ተስፋታት ትግራይ ኢዮም ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።

ብምትሕባር ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ፣ ቢሮ ኢንዱስትሪ ክልል ትግራይን ቤት ምኽሪ ዘፈር ማሕበራት ትግራይን ዝተሰናደአ “ጎስጓስ ኢንዱስትሪ ንዳግመ ህንፀት ትግራይ!” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣካል ኢትዮጵያ/ትግራይ ተፍሪ ንሕና ውን ንዓድግ ዝኾነ ካልኣይ ዙር ሃገር ለኸ መድረኽ ጎስጓስ መፍረይቲ ትካላት ትግራይ ኣብ ከተማ መቐለ ትማሊ ብዕሊ ተጀሚሩ።

መፍረያይነት ኢንዱስትሪ ንምዕባይ፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ትግራይ ንምንቕቓሕ፣ ሰፊሕ ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣርን ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻርን ተረኺቡ ዘሎ ተነፃፃሪ ሰላም ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምስግጋርን ዝዓለመ መድረኽ እንትኸውን÷ ንተኸታተልቲ ሓሙሽተ ማዓልታት ከምዝፀንሕ ተገሊፁ።
ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መደረ ዘስምዑ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪን ኣይተ ሓሴን መሓመድ÷ “ዕቤት ኢንዱስትሪ ንምንርግጋፅን ፀገማት መፍረይቲ ትካላት ንምፍታሕን ናይ ኩሉ እጃመ ኢዩ” ኢሎም።

እቲ መድረኽ ብዙሓት ፀገማት ኢንዱስትሪ ምፍታሕ ኣብ ዝተጀመረሉ እዋን እናተኻየደ ዝርከብ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ÷ ዝተረጋገዐ ኢኮኖሚ ንምፍጣር ዝለዓለ ፃዕሪ ከምዝሓትት ኣገንዚቦም።

“እዞም መፍረይቲ ትካላት፤ ሸርፊ ወፃኢ ዘድሕኑ፣ ንወፃኢ ሰደድ ዝግበሩን ዝለዓለ ዕድል ስራሕ ዝፈጥሩን ብምዃኖም ፅቡቕ ጅማሮ ዩ” ምስበሉ÷ መንግስቲ ሴክተር ኢንዱስትሪ ንምዝማን ፖሊሲን ስትራቴጂን ኢንዱስትሪ ኣመሓይሹ ናብ ስራሕ ከምዝኣተወን ኣብሪሆም።
ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብግደኦም÷ “እዞም መፍረይቲ ትካላት መሰረታዊ ተስፋታት ትግራይ ኢዮም፤ ካብቲ ዝሓለፈ 1ይ መድረኽ ኢግዚቪሽን ብበዝሒን ፅሬት መፍረያይነትን ዝለዓለ ለውጢ ዝረኣናሉ፣ ንናይ ፅባሕ ትግራይ ዓብዪ መሰረት ዘንብር ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።

ኣብ መፍረይቲ ትካላት ዝረኣዩ ፀገማት ንምፍታሕ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝተጀመሩ ክያዶታት ተጠናሒሮም ከምዝቕፅሉ እውን ተዛሪቦም።

ብዮሃንስ ካሕሳይ

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment