መፍረያይነት ስርናይ

ኢትዮጵያ መፍረያይነት ስርናይ ንምዕባይ ዓብዪ ፃዕሪ ትገብር ከምዘላን ኣብዚ ዓመት ልዑል ውፅኢት ትፅቢት  ከምዝግበርን ተገሊፁ።

በዚ መሠረት፡- ኣብ ዘመነ ምህርቲ ሕርሻ 2015 ዓ/ም ድማ 400 ሚሊየን ኩንታል ብኣናእሽተይ ትሕዝቶ  ሓረስቶትን ሰበኽ ሳግምን ንምፍራይ ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ።

ኣብ ቀውዒ ድማ 2 ሚልዮን ሄክታር ብምልማዕ 632 ሚልዮን ኩንታል ምህርቲ ከምዝህሉ ትፅቢት ይግበር።

  • ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ብናይ ውሽጢ ዓዲ ምህርቲ ንምትካእ ዝተትሓዘ ሃገራዊ ትልሚ ንምትግባር ኣብ ሓጋይ መስኖ 36 ሚልዮን ኩንታል ስርናይ ንምፍራይ እውን ትልሚ ተታሒዙ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብይ ኣሕመድ ቅድሚ ሐዚ ከምዝገለፅዎ፡- ዘይሕረስ መሬት ብምልማዕ ሕርሻ ኩታ ገጠም ኣብ ምህርቲ ስርናይ ዓርስኻ ንምኽኣል ሰፊሕ ስራሕ ንሰርሕ ኣለና ኢሎም።

ልምዓት ሕርሻ መሰረት ልምዓት ብምዃኑ ብፍሉይ ትኹረት እናተሰርሐ ከምዝኾነን ምትእስሳር እታወትን ዕዳጋን ውፅኢታዊ ንክኾን ክስራሕ እዩ ምባሎም ዝዝከር እዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment