መፍረስቲ ዛዕባታት ንምምካት ኮሙዩኒኬሽናት ፌዴራልን ክልላትን ብሓባር ክሰርሑ ይግባእ – ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መፍረስቲ ዛዕባታት ብዝተዋደደ መልክዑ ንምምካት ኮሙዩኒኬሽናት ፌዴራልን ክልላትን ብሓባር ክሰርሑ ከምዝግባእ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ለገሰ ቱሉ (ዶ/ር) ገሊፆም።

“ስራሕቲ ኮሙኒኬሽን ፀብለልታ ሒዞም ንኽፀንሑ ቀንዲ ዛዕባታት መንግስቲ ብዝግባእ ምፍላይን ብትልሚ ተኻቲቱ ምስራሕ ይግባእ” ክብሉ እቶም ሚኒስትር ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ከተማ ኣዳማ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ መርሃ ግብሪ ስልጠና “ውፅኢታዊ ኮሙዩኒኬሽን ንልእልና ኢትዮጵያ” “ርክብ ህዝቢን መሰረታቶምን፣ ምሕንፃፅ ዛዕባን ኮሙኒኬሽን እዋን ቅልውላው” ብዝብል ሰነድ ስልጠና ቀሪቡ ልዝብ ተገይሩሉ።

ካብ ዓበይቲ ሃገራዊ ትልሚታት ብምጥዕዓም ዛዕባ ኣብ መፅናዕቲ ተደሪኽካ ምምራፅ፣ ፈተናታት ምፍላይ ከምኡ እውን ኣብቲ ዛዕባ ዝሳተፉ ኣካላት መንነቶምን ብፅሒቶምን ምእማት ካብ ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ትፅቢት ከምዝግበር ሚኒስትር ለገሰ ቱሉ ኣገንዚቦም፡፡

“በዓል ዋና ዛዕባ ፖለቲካ መንግስቲ ከም ምዃኑ፤ እዚ ኣብ ውፅኢት ንኽበቅዕ ብዝተማለአ ግንዛበ ግደ መሪሕነት ምፅዋት፤ ሕድሕድ ስራሕቲ ኮሙኒኬሽን ምስ ዓበይቲ ሃገራዊ ዛዕባታት ምትእስሳር የድሊ” ክብሉ ተዛሪቦም።

ዛዕባታት መንግስቲ ፀብለልታ ከይህልዎም ዝተፈላለዩ ማሕለኻታት ከምዘጋጥሙዎም እውን ኣልዒሎም፡፡

ስራሕቲ ኮሙኒኬሸን ብስትራቴጂካዊ ትልሚ ኮሙኒኬሽን ክምራሕን ሰብ ሞያ እቲ ዓውዲ ምስ ሚዲያ ዘለዎም ሰናይ ርክብ ከጠናኽሩ ከምዝግባእ እውን ኣብሪሆም።

ንሓለፍቲ ዘፈር ኮሙኒኬሽን ክልላትን ትካላትን ንኣመራርሓታ ሚዲያን እናተውሃበ ኣብ ዝርከብ ስልጠና፥ ኣብ ኣመራርሓ ሚዲያን ናብ ህዝቢ ዝቐርቡ መደረታትን ከምኡ እውን ኣጠቓቕማ ማሕበራዊ ሚዲያ ዘድሀቡ ሰነዳት ስልጠና ቀሪቦም ልዝብ ከምዝግበረሎም ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment